ሽሎ ናይ ቅብኣት ኣገልግሎት (ሽሎ ቲቪ)

ሽሎ ናይ ቅብኣት ኣገልግሎት (ሽሎ ቲቪ) ኣብ  2014 ዝጀመረ ኣገልግሎት ኮይኑ  ፤ ብሓይሊ ናይ መንፈስ ቅዱስን ፤ ብህያባት ናይ መንፈስ ቅዱስን ፤ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ክሕደስን ፤ ኣብዚ ምድሪ ድማ ሞሎኮታዊ ዕላማኡ ክፍጽም ምድጋፍን ፤

ብተወሳኺ ድማ እዚ ኣገልግሎት እዚ ፥ በቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ገይሩ ፤ ንማሕበሩ ፥ ዝሃባ ሓሙሽተ ህያባት፤ ናይ ሃዋርያነት ፤ ናይ ነቢይነት፤ ናይ ወንጌላውነትን ናይ ጉስነትን ናይ መምህርነት ህያባት ፤ ንኣምን ::

ብተወሳኺ ድማ እዚ ህያብ እዚ ዘለዎምን ጻውዒት ዘለዎምን ፤ ኣቅዲሞም ኣብ ማሕበሩ ከም ዘለውን ፤ ይኣምን፥ ነቶም ነዚ ጻውዒታት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ድማ፤ ናብ ጻውዒቶም ክኣትው ምግባርን ፤ ጻውዒቶም ክምልኡ ምድጋፍን ድማ ከም ካልእ ዕላማ ናይ እዚ ኣገልግሎት እዩ፤


 

ብተወሳኺ ድማ ሽሎ ናይ ቅብኣት ኣገልግሎት (ሽሎ ቲቪ) ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ ፤ ን7 መዓልትታት ኣብ ሰሙን፤ ንወርሒ ሙሉእ ፤ ከይተቋረጸ ዝፍኖ ናይ ፤ ናይ ሽሎ ቲቪ ናይ ቴሌቪዥዮን ኣገልግሎት ኣብ Ethiosat ኣሎና ፤ በዚ ናይ ቴሌቪዥን ኣገልግሎትና ፤ ናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትታትን፤ ስብከታትን፤ መንፈሳዊ ድራማትን፤ መዛሙራትን፤ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣገልግሎትን ፤ ናይ ምንጋፍን ናይ ፈውሲ ኣገልግሎታትን ፤ ብተወሳኺውን ብመንገዲ ሳተላይት ቴሌቪዥንንና ፤ ወንጌል ናይ ምዝርጋሕ ኣገልግሎትውን ኣሎና፤ ኣምላኽ ድማ በዚ ናይ ቴሌቪዥን ኣገልግሎትን ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓንን ፤ ሓይሉ እንዳገለጸን ተኣምራታዊ ስርሑውን እንዳገበረ እዩ ዘሎ

ኣምላኽ ኣብ ደምበ ሽሎ ቲቪ ብሓይልን ብተኣምራትን እንዳተገልጸ እዩ ዘሎ

ዕብራውያን 13: 8 የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።

en_USEnglish